HemLanguageTigrinska (ትግርኛ)

Tigrinska (ትግርኛ)

ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና እንተ ተጐዲእካ – ሓበሬታ ብዛዕባ መድሕን ተሓካማይ ብትግርኛ

ኣብ ክንክን ሕክምና ከለኻ ጕድኣት እንተ ኣጋጢሙካ ብመሰረት ሕጊ መድሕን ተሓካማይ ንካሕሳ መሰል ክህልወካ ይኽእል እዩ። ኩለን ናይ ሽወደን ዞባን ምምሕዳር ዞባን ምስ Löf ናይ ተሓካማይ መድሕን ውዕል ከቲመን እየን። ´ዓመታዊ ካብ 14 000 ንላዕሊ ናይ ተሓከምቲ መጕዳእቲ ናብ Löf ምልክታ ይኣቱ። ዳርጋ 40 % ካብ እቶም ዝተመልከቱ መጕዳእቲ ካሕሳ ይኽፈሉ።

እዛ ብሮሹር ብዛዕባ ናትና መድሕን ተሓካማይ ቅልል ዝበለ ሓበሬታ ትህበካ። ኵሉ መርመራን ገምጋምን ነቲ ጕዳይ ብዝምልከት ሕግን ቅቡል ናይ መድሕን ጠለብን ይፍጸም።

ክሳብ 2014-12-31 ንዘጋጠሙ መጕዳእቲ፡
ሓደ መጕዳእቲ ከም ዘለካ ካብ ዝፈለጥካሉ ግዜ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት ከተመልክት ኣሎካ
– እቲ መጕዳእቲ ብውዱዕ ኣቓልቦ ዚውሃቦ እዩ።
– እቲ መጕዳእቲ ምስ ሕክምና ምትእስሳር ክህልዎ ዝኽእልን ንናይ ተሓካማይ መጕዳእቲ ካሕሳ ተኽእሎ እንተ’ሎን።
– ናበየናይ ናይ መድሕን ትካል ናይ ካሕሳኻ ጠለብ ከምዝቐርብ።

ካብ’ቲ መጕዳእቲ ዘጋጠመሉ ግዜ ጀሚሩ ዝቑጸር ሓደ ናይ መጨረሽታ ናይ ዓሰርተ ዓመት ናይ ግዜ ገደብ ኣሎ።

ካብ 1/1/2015 ጀሚሩ ንዘጋጠሙ መጕዳእቲ፡
ንሓደ መጕዳእቲ፡ ካብ እቲ መጕዳእቲ ዘጋጠመሉ ግዜ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ዓመት ከተመልክት ኣለካ።

እዚ መድሕን እንታይ ይሽፍን?

እቲ መጕዳእቲ ኪውገድ ዝከኣል እንተ ነይሩ

እቲ መጕዳእቲ ካሕሳ ንኽረክብ፡ ነቲ መጕዳእቲ ናይ ምክልኻል ተኽእሎ ክህሉ ኣለዎ።
ኵሉ ሕማምን ናይ ስኒ ሕክምናን ከተወግዶ ዘይከኣል ጸገም ናይ ምስዓብ ተኽእሎ ኣለዎም። ንኸምዚኣቶም ሕልኽላኻት ካሕሳ ኣይክፈልን እዩ።

ምስ ንዋት ዝተኣሳሰረ መጕዳእቲ

መጕዳእትኻ ብሰንኪ ብልሹው ወይ ዘይቅኑዕ ኣጠቓቕማ ኣብ ውሽጢ ኣገልግሎት ጥዕና ወይ ኣገልግሎት ሕክምና ስኒ ዝጥቀምሉ መሳርሕን ሓጋዚ መሳርሕን እንተ ኣጋጢሙ፡ ካሕሳ ክኽፈለካ ይኽእል እዩ።

ዝተደናጎየ ወይ ጌጋ ሕክምናዊ ምርመራ

ሓደ ምርመራ እንተ ተደናጕዩ እሞ እቲ ምርመራ ኣብ ግዚኡ ክንዲ ዝግበር ብምድንጓዩ ንጥዕናኻ እንተ ኣብኢስዎ ካሕሳ ክወሃበካ ይኽእል።

ረኽሲ

ኣብ ግዜ መጥባሕቲ ኵሉ ግዜ ረኽሲ ናይ ምግጣም ተኽእሎ ኣሎ። ምስ ኣገልግሎት ጥዕናን ፍወሳን ዝተተሓሓዘ ኣርካሲ ባእታ እንተ ተመሓላሊፉ፡ ካሕሳ ክኽፈል ይከኣል እዩ። እቲ ረኽሲ ናትካ ባክተሪያ ዘስዓብዎ ወይ ሂወትካ ኣብ ኣስጋኢ ኩነታት ከላ እንተ ተሓኪምካ ግዳ ካሕሳ ኣይክፈልን እዩ።

ሓደጋ

እቲ መጕዳእቲ ምስ ሕክምና ወይ ሕክምና ስኒ፣ ምጕዕዓዝ ሕሙም ወይ ብምኽንያት ዝተበላሸወ ናውቲ ሕክምና ወይ ኣዳራሽ ሕክምና ዝተኣሳሰረ ዘስዓቦ እንተ ኾይኑ፡ ካሕሳ ክኽፈል ይኽእል። ንኣብነት ናብ ዓይን-ምድሪ እንዳ ኸድካ እንተ ተዓንቂፍካ ወይ ተመሳሳሊ፡ ብሓፈሻ ካሕሳ ኣይክፈለካን እዩ።

ግጉይ ፍወሳ

እቲ መጕዳእቲ ብምኽንያት ሓደ መድሃኒት ብጌጋ መንገዲ ስለ ዝተኣዘዘ እንተ ኾይኑ፡ ካሕሳ ክትረክብ መሰል ክህልወካ ይኽእል እዩ። ብልክዕ መንገዲ ናይ ዝተኣዘዙ መድሃኒት ጎድናዊ ሳዕቤን፡ ናብ መድሕን መድሃኒት (Läkemedelsförsäkringen) ክጥራዕ ይከኣል።

እዚ መድሕን እንታይ ኣይሽፍንን?

ናይ ትራፊክ መጕዳእትን ናይ ስራሕ መጕዳእትን

ኣብ ትራፊክ መጕዳእቲ እንተ ኣጋጢሙካ፡ ንዘጋጠመካ ናይ ትራፊክ መጕዳእቲ ኣብ ትሕከመሉ እዋን፡ ብሓፈሻ ናይ ትራፊክ መድሕንካ ይሽፍኖ እዩ።
ኣብ ስራሕ እንተ ተጐዲእካ ብቐዳምነት ምስ AFA Försäkring ከምኡውን Trygghetsförsäkring (TFA) ርክብ ግበር።

ብሕታዊ ኣገልግሎት ጥዕና

ምስ ምምሕዳር ዞባ/ ዞባ ከምኡውን ናይ ኮሙን ኣገልግሎት ጥዕና ናይ ኣገልግሎት ጥዕና ውዕል ዘይብሎም ኣብ ናቶም ክሊኒክ ዝሕክሙ ሓካይምን ሓካይም ስንን፡ ምስ ካልኦት ትካላት መድሕን ናይ ተሓካሚ መድሕን ውዕል ኣለዎም። ምስ ኣየናይ ትካል መድሕን ርክብ ከም ትገብር ርግጸኛ እንተ ዘይኮንካ፡ እቲ ሓበሬታ ካብ ወሃብ ኣገልግሎት ጥዕናኻ ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ።

ብልሽት ኣብ ንብረት

ዝጠፍአ ውልቃዊ ንብረት ካብ መድሕን ተሓካማይ ኣይከሓስን እዩ። ኣብነት ናይ’ዚ፡ መነጸር ዓይኒ ክስበረካ ከሎ፣ ማሕፉዳኻ ክስረቕ ከሎ ወይ ኣርቲፊሻል ደርጊ ስንኻ እንተ ጠፊኡ ክኸውን ይኽእል።

ኣተሓሕዛ ወይ ሜላ

ኣብ ሆስፒታልን ሕክምና ስንን ንኣተሓሕዛ ወይ ሜላ ዝምልከት ሕቶ ብመድሕን ተሓካማይ ኣይሽፈንን እዩ። ከምዚኣቶም ሕቶታት ምስ ናይ ዞባኻ ወይ ምምሕዳር ዞባኻ ናይ ተሓከምቲ ወይ ኣገልግሎት ጥዕና ቤት ምኽሪ ተዘራረበሎም።

ብዛዕባ ኣገልግሎት ጥዕና ዘይምዕጋብ

ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ዘሕዘነካ፣ ዘሕረቐኻ ወይ ተስፋ ዘቑረጸካ ነገር ኣጓኒፉካ ዲዩ?

ከምኡ እንተ ኣጓኒፉካ ምስ ኣብ ኵሉ ምምሕዳር ዞባን፡ ዞባን ዝርከቡ ናይ ተሓከምቲ ወይ ኣገልግሎት ጥዕና ቤት ምኽሪ ርክብ ግበር። ቤት ምኽሪ ኣገልግሎት ጥዕና ሻራ ዘይብሎም ኣብ መንጐ ወሃብቲ ኣገልግሎት ጥዕናን ተሓከምትን ንዘሎ ርክብ ዘቃልሉ ሰብ ስልጣን እዮም። ብዝያዳ ኣብ 1177.se ኣንብብ

ጉድለት ኣብ ድሕነት ተሓከምቲ

ምስ ኣብ ሆስፒታል- ኣገልግሎት ጥዕና ወይ ሕክምና ስኒ ዝተኣሳሰረ ሕክምና ወይ ፍወሳ ጉድለት ኣብ ድሕነት ተሓካማይ እንተ ተሰሚዑካ፡ ናብ ተቖጻጸርቲ ኣገልግሎት ጥዕናን ሓልዮትን (Inspektionen för vård och omsorg,IVO) ክትጠርዕ ትኽእል ኢኻ። IVO ሓደ መንግስታዊ ብዓል ስልጣን ኮይኑ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ (ክፍሊ ማሕበራዊ ጉዳያት) እዩ ዝምእዘዝ። ብዝያዳ ኣብ www.ivo.se ኣንብብ

ብሕጽር ዝበለ ብዛዕባ መድሕን ተሓካማይ

ካሕሳ ክትረክብ ትኽእል

– ክውገዱ ተኽእሎ ዝነበሮም መጕዳእቲ
– ካብ ብልሹው ወይ ጌጋ ኣጠቓቕማ ናውቲ ሕክምና ዝስዕብ መጕዳእቲ
– ካብ ብጌጋ ዝተገበረ ወይ ዝተደናጐየ ምርመራ ዝስዕብ መጕዳእቲ
– ኣብ ግዜ ሕክምና ኣርካሲ ባእታ እንተ ተመሓላሊፉካን ረኽሲ እንተ ኣስዒቡን
– ንሓደ ሓደ ናይ ሓደጋ መጕዳእቲ
– ካብ ጌጋ ኣፈዋውሳ ዝስዕብ መጕዳእቲ።

ካሕሳ ዘይትኽፈለሎም

– እቲ መጕዳእቲ ደንጕዩ እንተ ተመልኪቱ
– ካብ’ቲ ባዕልኻ ትሽፍኖ ብዝሒ ገንዘብ ንታሕቲ ዝኽፈሎም መጕዳእቲ
– ንዝጠፍአ/ዝተኸሰረ ውልቃዊ ንብረት
– ክውገዱ ንዘይተኻእሉ መጕዳእትን ተደራቢ ሕማማትን
– እቲ ረክሲ ናትካ ባክተርያ ዘስዓብዎ እንተ ኾይኑ ወይ እቲ ዝተፈወስካሉ ሕማም ካብ’ቲ ረኽሲ ዝበኣሰ እንተ ነይሩ
– ካብ’ቲ ብልክዕ መንገዲ ብዝተኣዘዘልካ መድሃኒት ጎድናዊ ሳዕቤን እንተ ገይሩልካ
– ኣብ ንሂወት ኣስጋኢ ኩነታት ዝግበር ቅኑዕ ሕክምና ዝላዓል መጕዳእቲ።

ንሓደ መጕዳእቲ ምምልካት

ናባና ከተመልክት እንተ ኾንካ ትውስን ንስኻ ባዕልኻ ኢኻ።
ኣብ ናትና ድሕረ-ገጽ፡ www.lof.se ኣብ ናተይ ክፍሊ (Mina sidor) ብናይ ባንክ መለለዪ (BankId) ብምእታው ንመጕዳእትኻ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።

ካብ ናትና ድሕረ-ገጽ ናይ መመልከቲ ቅጥዒ ክትጽዕን ትኽእል ኢኻ።
እዚ ቅጥዒ ኣብ ሆስፒታል፣ ማእከል ክንክን ጥዕናን ክሊኒክ ሕክምና ስንን እውን ይርከብ እዩ። ካብ ናትካ ናይ ተሓከምቲ ወይ ኣገልግሎት ጥዕና ቤት ምኽሪ ወይ ናባና ኣብ
08 – 551 010 00 ተለፎን ብምድዋል እውን ክትእዝዞ ትኽእል ኢኻ።